ናብ ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጓዓዚያ (Transportation Equity Workgroup) እንኳዕ ብደሓን መጻእኹም!
አማርኛ • 繁体字 • 简体中文 • ភាសាខ្មែរ • 한국어 • Oromiffa • af-Soomaali • Español • Tagalog • ትግርኛ • Tiếng việt • English
ብዛዕባና
ስራሕና ኩሉ፡ ሰብ ውሑስን ርትዓዊን ዝኾነ መጓዓዚያ ክረክብ ምግባር እዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ እኹል ሓገዝ ዘይረኸቡ ማሕበረሰባት ኣብ ምሕጋዝ ኢና ንነጥፍ።
ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት
ነቶም መመልከቲታት ወይ ናይ ሓገዝ ደብዳበታት መሊእካ ምዝዛምን ኣታዊ ምግባርን ንምሕጋዝ ናይ ቋንቋ ተበጻሕነት ኣገልግሎታት ዝጠልቡ ውልቀ ሰባት፣ ሕብረታትን ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበሩ ውዳበታትን ናብ transportationequity@seattle.gov ኢሜይል ክገብሩ ወይ ናብ (206) 530-3260 ክድውሉ ይኽእሉ እዮም።
መን እዩ ከመልክት ዝኽእል?
እንተደኣ ተመኩሮ ዘለካ ኮይኑን ምስ ኣብ ኪንግ ካውንቲ ዝርከብ ነዞም ዝስዕቡ ዝሕግዝ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለካ ኾይኑን ክተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
- ማሕበረሰባት ጸለምቲ፡ ደቀባትን፡ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC)
- ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ማሕበረሰባት
- ስደተኛታትን ተፈናቐልትን
- ስንክልና ዘለዎም ሰባት
- LGBTQIA+ ሰባት
- ውሑስ ኩነታት መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ሰባት
- ደቂ ኣንስትዮን ንገዛእ ርእሶም ከም ጓል ኣንስተይቲ ጌሮም ዘለለዩን ሰባት
- መናእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን
- ቅድም ክብል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት
- ልዑል መጠን ምፍንቓል ዘጋጥመን ከባቢታት መንበሪ
ናይ ፍሉይ ተበጻሕነት ጠለብ እንተደኣ ኣለኒ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ደገፋት ክረክብ ይኽእል?
ጠለባት ጉጅለታትና ንምምላእ ንኹሎም ዓይነታት ጻዕሪ ነካይድ ኢና። ሰራሕተኛታትና ነቶም ፍሉያት ጠለባትካ ዝኾኑ መፍትሒታት ኣብ ምንዳይ ምሳኻ ብሓባር ክሰርሑ እዮም።
ክፍሊት ክኽፈለኒ ድዩ?
እወ! ኣብ'ተን ናይ መእተዊ ሓበሬታ (orientation) ትረኽበለን ፈላሞት ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሰዓት $50 ክፍሊት ክትረክብ ኢኻ። እምበኣር ሓንሳብ ነቲ ናይ መእተዊ ሓበሬታ (orientation) መውሃቢ መስርሕ ምስ ዛዘምካ፣ ኣብ ሰዓት $75 ኣብ ዓመት ድማ $7500 ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
እንታይ እዬ ክግበር?
ንሰለስተ ዓመታት ኣገልግሎት ክትህብ እዩ ትጽቢት ዝግበረልካ፣ ድሕሪ እቲ ፈላማይ ሰለስተ ዓመታት ምዉዳእካ ድማ ንኽልተ ተወሰኽቲ ዓማውቲ ክናዋሕ እውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካብ 2-4 ዝኾኑ ኣኼባታት (መብዛሕቲኡ ግዜ ብ Zoom ዝካየዱ) ክትሳተፍን ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ድማ ካብ 9-10 ሰዓታት ክትሰርሕን ኢኻ። ኣብ'ዞም ዝካየዱ ኣኼባታት ምስ ካልኦት አባላት ጉጅለን ምስ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማን ብሓባር ክትሰርሕ ኢኻ።
እቲ መስርሕ ምምራፅ እንታይ እዩ?
ኣባላት ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጓዓዚያን (TEW) ሰራሕተኛታት ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትልን (SDOT) ኣብ መስርሕ ምልመላ ንዝቐረቡ መመልከቲታትን ናይ ደገፍ ደብዳቤታትን ክግምግሙ እዮም። ብድሕሪኡ እዚ ጉጅለ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ሕጹያት ክመርጽ እዩ። ድሕሪ እቲ ቃለ መሕትት፣ እቲ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ውሳነ ብምሃብ ንሕጹያት ውጽኢቶም ክሕብር እዩ።
ማዕቀፍ ምዕሩይነት መጓዓዝያ (TEF) እንታይ እዩ?
ማዕቀፍ ምዕሩይነት መጓዓዝያ (TEF) ዝያዳ ፍትሓዊ ስርዓተ መጓዓዝያ ንምርግጋፅ ንምኽኣል ምስ ኣባላት ሕብረተሰብ ዘዳለናዮ ትልሚ እዩ። ሕጂ ነዚ ትልሚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንሰርሕ ኣለና።
ንዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ሕቶታት ንምሕታት፣ ብኢመይል transportationequity@seattle.gov. ክትፅሕፉልና ትኽእሉ ኡኹም። ካባኻ ርእይቶ ክንሰምዕ ትጽቢት ንገብር!
ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣባላት ጕጅለ ስራሕ
ለከይሻ ጆንስ (Lakeisha Jones) (ተሓባባሪት-ኣመሓዳሪ ጕጅለ ስራሕ)፣ ካብ ሞኒካ ቪለጅ ፕለይስ ዋን ኣፓርትሜንት
ከይሻ (Keisha)፣ ንሞኒካ ቪለጅ ፕለይስ ዋን ዝበሃል ኣፓርትሜንት እያ ትውክል። ንሓያሎ ስነ-ህዝቢ/ ዲሞግራፍያዊ የገልግሉ ከምኡድማ ተለዋዋጢ መጠን ደገፍ ዝግበረሉ ኣፓርታማታት የቕርቡ፣ ምሕደራ ጕዳይ ድማ የካይዱ። ከይሻ (Keisha) ኣብ ዳውንታውን ሲያትል ዝርከብ ንኹሉ ዘጠቓልል ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ቅድመ-ቤት ትምህርቲ እትምህር ኢያ። እቲ ዘላቶ ማእከል ነቶም ፍሉይ ድሌታትን፣ ስንክልናን፣ ብምርመራ ሕማም ከምዘለዎም ዝተረጋገጸን፣ ቈልዑ ከምኡውን ነቶም ኣብ ምምዕባል ዘለዉ ቅልጡፋት ቘልዑ ብሓባር ዘገልግል ኢዩ። ከይሻ ብመጽናዕቲ ህጻናትን ስድራቤታትን ናይ ባችለር ዲግሪ ዝወድአት ኮይና ትምህርታ ብምቕጻል ብዓውዲ ኣፕላይድ ብሄቬራል ኣናሊስስ (applied behavioral analysis) ናይ ማስትሬት ዲግሪ ንክትረክብ እዉን ድሌት ኣለዋ። ምስቶም ምስኣ ማዕርነት ንክዓቢ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኮይና ክትዓዪ ብሃንቀውታ እያ እትጽበ ዘላ! ኣባል ናይ እዛ ጕጅለ እዚኣ ብምዃና ንማሕበረሰባ ዝያዳ ፍትሓዊ ሃብቲ ኣብ ምምዕባል ተመክሮ ክኾና እዩ። ከይሻ ኣብ ማሕበረሰብ ዚርአ ፍጻመታት የሐጕሳ ከምኡድማ ብዛዕባ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ደረጃ ናብራ ዝመጹ ንክትመሃር ድሌት ኣለዋ። ካብ ስራሕ ናጻ ኣብ እትኾነሉ እዋን፣ ከይሻ ኣብ እተፈላለዩ ክንዮ-ካሪኩለማዊ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት እያ እትካፈል ዘላ። ኣደ ሓንቲ ብትምህርታ ንፍዕቲ ዝኾነት ጐርዞ እውን እያ፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣላ እዩ።
ጀሲካ ሳልቫዶር (Jessica Salvador)፣ ኮመን ኤክር-ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል
ዶ/ር ጀሲካ ሳልቫዶር ምስ ማሕበረሰባት ምትሕብባር፣ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ምህናጽ፣ ከምኡውን ትምህርትን ዕቤትን ናይ ምድንፋዕ ሓያል ባህጊ ኣለዋ። ጀሲካ ካብ ስደተኛታት ዝተወልደትን ናይ ቀዳማይ ወለዶ ተመሃሪት ኮለጅን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ ዘሕለፈቶ ጽንኩር ተመኩሮታት፣ ምስ ዝተፋላለየ ድሕረ-ባይታ ኣብ ትምህርትን፣ ንግድን፣ ንመኽሰብ ዘይዓያን፣ ተደሚሩ ንማሕበራዊ ፍትሕን ሓርነትን ዘለዋ ቈራጽነት ኣጸቢቑ ይነግራ ኢዩ። ጀሲካ ካብ ዩኒቨርሲቲ በርክሊ ካሊፎርንያ ብዓውዲ ሲቪል ምህንድስና ናይ ቢኤስ ሲ ዲግሪ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ላ ቨርነ ብዓውዲ ትምህርቲ ማስተርስ ዲግሪ፣ ከምኡ'ውን ካብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ናይ ኣመራርሓ ትምህርትን መጽናዕቲ ፖሊሲን ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ኣለዋ። ዕዮኣ በቲ ኣብ ታሪኽ ተረሲዖም ዝነበሩ ሰባት ፍትሓዊ ስርዓታትን ድምጽታትን ቦታ ኸም ዚፈጥር ዚገልጽ እምነት ተደሪኹ፣ ተገሊሎም ዝነበሩ ሕብረተሰባት ብናጽነት ኪነብሩ ምእንታን ውድባዊ ብቕዓት ኣብ ምድንፋዕ እተመስረተ እዩ።
ኣብ'ዚ እዋን እዚ ዶ/ር ሳልቫዶር (Dr. Salvador) ኣካያዲት ዳይረክተር ማእከል ረድኤት ስደተኛታት ኪትሳፕ ኰይና ተገልግል ኣላ። ኣብ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ጉጅለ ማዕርነት መጓዓዝያ (TEW) ዝርከብ ኮሞን ኣክር (Common Acre) ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ውድብ እውን ተወካሊት ኢያ። ናይ ኮሞን አከር ናይ ምዕቃብን ምሕዳስን ጻዕርታት ኣብ ድምጺታት፣ መሪሕነትን፣ ፍልጠትን ሰራሕተኛታት መሬት ዝኾኑ ጸለምቲ፣ ደቀባት፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ማእከል ዝገበረ ኮይኑ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ስምብራት ኣድልዎ፣ ኤኮኖሚያዊ ወፍሪ ዘይምግባር፣ ዘይምዕሩይ ከባብያዊ ጸቕጢ፣ ከምኡድማ ካብ መሬት ምፍላይ ዝኣመሰሉ ኣድህቦ ከምዝግበረሎም ምግባር ኢዩ።
ኣኪራ ኦሂሶ (Akira Ohiso)፣ ማእከል ኣረጋዊያን ባላርድ ሰሜናዊ ምዕራብ
ኣኪራ (Akira) ፍቓድ ዘለዎ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ናይ 20 ዓመት ተመክሮ ዘለዎን ኣብ ማሕበረሰብ እተመስረተ መደባት ምስ ዓበይቲ እንዳሰርሐ ዘሎን ኢዩ። ንሱ ንሸሞንተ ዓመት ሰራሕተኛ ናይ ሳውንድ ጀነሬሽን (Sound Generations) ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝትንክፍ ቀጥታዊ ኣገልግሎትን ናይቲ ኸባቢ ስርዓታትን ናይ ምሃብ ባህጊ ኣማዕቢሉ ኢዩ። መበቈሉ ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ኮይኑ፣ ምስቶም ካብ ጃምላዊ ቅትለት ሂትለር (Holocaust survivors) ዝደሓኑ፣ ምስቶም ኤች. ኣይ. ቪ./ኤድስ ዘለዎም ኣረጋዊያን፣ ከምኡድማ በዓል መዚ ኣባይቲ ከተማ ኒውዮርክ ነቶም ኣብ ናቹራሊ ኦከሪንግ ረታየርመንት ኮሙኒቲ (Naturally Occurring Retirement Community) (NORC) ዘለዉ ኣገልግሎት ንምሃብ ሰሪሑ። ኣኪራ (Akira) ኣብ ርእሲ ዕዮ ናይ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ህዝባዊ ቦታታት ንምንቕቓሕ ምስ ቤት ጽሕፈት ስነ-ጥበብን ባህልን፣ ምስ መይናርድ ኣለይ ፓርትነርሽፕ፣ ከምኡውን ምስ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ዝተሓባበር ስነ-ጥበባዊ እዩ። ካልኦት ፕሮጀክትታት ከኣ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ናይ ተክኖሎጂ ፖሊሲ ቤተ-ምርምር፣ ኣምፕሊፋየር ኣርት፣ ከምኡውን ኣቫዝ (Avaaz) ዘጠቓልል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ብዛዕባ ንዕኡ ዘገድስዎ ጕዳያት ማሕበራዊ ፍልጠት ሓፍ ንምባል እቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሑ ምስ ስልጠና ማሕበራዊ ዕዮ ዝራኸብ ኢዩ።
ኣንዲ ፋም (Andy Pham)፣ ፍሬንድስ ኦፍ ሊትል ሳይጎን
ኣንዲ ፋም (ንሱ/ንዕኡ) ኣብ ፍሬንድስ ኦፍ ሊትል ሳይጎን (FLS) ኣካያዲ ስራሕ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ኢዩ፣ ምስ ንኣሽቱ ንግዳዊ ትካላት፣ ተቐማጦ፣ ወለንተኛታት፣ ከምኡውን ምስ መሻርኽቲ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ኣብ ማሕበረ-ሰብ ሊትል ሳይጎን ይሰርሕ። ኣንዲ ኣብ ሳውዝ ሲያትል ስለ ዝዓበየ፣ ብዛዕባ ሓይሊታት ምግዓዝ ነበርቲን ኣገባብ ዕቤትን ዝምልከት ናብ ምምዝባልን ምድምሳስን ኣገደስቲ ባህላዊ/ማሕበራዊ መልህቕ ስለዘብጽሑ ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ኣንዲ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ተሞክሮን ዘለዎም ሰባት ዚሓውዩሉን ዚስስኑሉን፣ ዉሑስ ቤት ንድሕንነትና ድማ ቀዳምነት ዚወሃቦ ሕብረተሰብ ከም ዝህሉ ትጽቢት ኣለዎ። ቀቅድሚ ፍሬንድስ ኦፍ ሊትል ሳይጎን ምጅማሩ፣ ሰራሕተኛ ዕቤት መንእሰያት ኰይኑ ይዓዪ ነበረ፣ ነቶም ኣብ ኪንግ ካውንቲ ዝነብሩ እሞ ሓገዝ ክፍሊት ክራይ ገዛ ዝግበረሎም መንእሰያት ሰብ ሕብሪ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከኣ ድሕሪ-ትምህርቲ ብናጻ ፕሮግራሚንግ ይህቦም ነበረ። ከም ተሓጋጋዚ ኣተሓባባሪ ናይቲ Neighborhood House’s Equity and Diversity Committe ዀይኑ እውን ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣንዲ ካብ ኮለጅ ማካለስተር (Macalester) ብዓውዲ ኤኮኖሚክስ ዊዝ ኮንሰትረሽን ኢን ኢንተርናሽናል ደቨሎፕመንት ብስነ-ቍጠባ ቢ. ኤ. ዲግሪ ኣለዎ።
ዳልተን ኦወንዝ (Dalton Owens)፣ ተበግሶ ሕውነት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን
ዳልተን ኦወንዝ ናይ ህንጸት ኪኢላ ኮይኑ፣ ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ቬንቸር ጀነራል ኮንትራክቲንግ ኤልሌልሲ (Venture General Contracting LLC) ናይ ፕሮጀክት ኢንጂኔር ኮይኑ ተቖጺሩ ይሰርሕ ኣሎ። ንሱ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ናይ ከተማ፣ ንድፍን መደብን ከምኡውን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ናይ ባችለር ዲግሪ ኣለዎ። ዳልተን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኩሎም ብሰባት እተሃንጹን ማሕበራዊ መዋቕርን ዘሎ መስቀላዊ መገዲ ሓያል ስምዒት ኣለዎ። ኵሎም ክኢላታት ኣከባቢ ንዅሎም ማሕበረሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ታሪኻዊ ጕዳያት እተገለሉ ኣብ ግምት ብምእታው ንድፍን ምህናጽን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብጽኑዕ ይኣምን ኢዩ።
ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣካዳምያውን ሞያውን ዕዮኡ፣ ዳልተን ኣብቶም ብማሕበረሰብ ዝካየዱ ስራሕቲ ሓያል ባህጊ ኣሕዲሩ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሓደ ዓመት ኮሚሽነር ናይ ከተማ ሲያትል ፕላኒንግ ኮሚሽን ኰይኑ ምግልጋል ከምኡድማ ኣማኻሪ ናይቲ ኣብ ጕጅለ ማዕርነት መጓዓዝያ ዝውክል ማሕበር ሕውነት ኰይኑ ምግልጋልን ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ናይ ሕውነት ተበግሶ (Brotherhood Initiative) ተመሃሮ ብሓባር ኮይኖም ዝመሃሩሉ ኩነታት ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ነቶም ሕብሪ ዘለዎም ሰባት ዝለዓለ ትምህርቲ ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንምድጋፍ እተገብረ ናይ ጕጅለ ፕሮግራም ኢዩ። ዳልተን ኣብ 2017 ምስታ ማሕበር ተጸምበረ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ ንመንእሰያት ኣባላት ንምድጋፍ ናይ መሪሕነት ግደ ኣለዎ።
ማሪሳ ፓርሾታም (Marisa Parshotam)፣ ለይክ ሲቲ ኮለክቲቭ
ማሪሳ፣ ለይክ ሲቲ ኮለክቲቭ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ትሳተፍ ኣላ፣ ፈለማ ኣብ 2019 ብብዙሕ ቋንቋታት ኣብ እተገብረ ናይ ሲቪካዊ ናይ ምብጻሕ ተሳትፎ ፕሮጀክት፣ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ 2020 ኣባል ናይታ ማሕበር መሪሕነት ኰይና ኣብ ኣከባብያውን ጸረ-ምምዝባልን ጻዕርታት ኣተኰረት። ንልዕሊ 6 ዓመት ምስቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስደተኛታት፣ ዝተመዛበሉ፣ ከምኡውን ኣባላት ማሕበረሰብ ጸለምቲ፣ ደቀባትን፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ጉጅለታት ቋንቋን ዝመጹ ከም መተሓባበሪት ቋንቋ እንግሊዝኛ፣ ቴክኖሎጂ፣ ሓይሊ ስራሕ፣ ከምኡድማ ኣብ መደብ መሪሕነት ንበጽሒታት ተመሃሮ እንግሊዝኛ (መጀመርታ ኣብ ሊተራሲ ሶርስ፣ ካብኡድማ ምስ ዋን ኣመሪካ) ሰሪሓ። ኣብ ማሕበረሰብ ንክትሳተፍ፣ ፍትሒ ቋንቋ፣ ከምኡድማ ምውዳብን፣ ዝዓበየ ፍቕሪ ዘሕደረላን ቅርጺ ዝሓዘን ምስ ለይክ ሲቲ ኮለክቲቭ ምስታፋን ከምኡድማ ብሸነኽ ሰሜን ካናል መርከብ ሲያትል ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ጸለምቲ፣ ደቀባትን፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ኣብ ጸቕጢ ዝነብሩ ብምውካል ድምጽን ጉዳያትን ጠመተ ብምግባር ኣጸቢቑ ተቐሪጹ ኢዩ። ማሪሳ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሲያትል እያ እትነብር ብዛዕባ ማዕርነት፣ ዕድላት፣ ከምኡድማ ስልጣን ዝምልከት ምስ ስደተኛታትን፣ ማሕበረሰብ ጸለምቲ፣ ደቀባትን፣ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ህዝቢታት ኣብ ማሕበረሰባ ምህናጽ ዓቢ እምነት ኣለዋ። በቲ ንማሕበረሰብ ዘለዋ ፍቕርን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝርርብ ዝተረስዑ ኣብ ውሳነ ምሃብ ዀነ ኣብተን ንህይወቶም ብቐጥታ ዚጸልዋ ትካላትን ንክውከሉ ዘለዋ ባህግን ተደሪኸት እያ።
ሻሮን ሶበርስ-ኣዉትለው (Sharon Sobers-Outlaw)፣ ዋይደር ሆራይዞንስ ቪለጅ
ሻሮን ሶበርስ ኦውትለው፣ MSW፣ MHP፣ CDP፣ በዓልቲ ብዙሕ ሞያ ኮይና ኣብ ከም ክሊኒካል ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፣ ኣማኻሪት ከምኡድማ ኣማኻሪት ጥዕና ኣእሙሮ ውሑዳን ማሕበረሰብ ዓቢ ግደ ኣለዋ። ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ሲያትል ማእከላይ ሓገዝ ምኽሪ 101 ናይ ክፍለ-ግዜ ኮለጅ ሰራሕተኛ ኰይና ኣገልጊላ ኔራ፣ እዚ ድማ ነቲ ዝነበራ ክእለት ነቶም ኣብ መጻኢ ንዝህልዉ ሰብ ሞያ ንምክፋል ኢዩ። ብዘይካዚ ሻሮን ኪኢላ ምንቕቓሕ ባህርያት (Behavior Activation Therapist) ኢያ፣ ውጽኢታዊ ደገፍን ጣልቃ ምእታውን ናይ ምሃብ ክእለታ ብዝያዳ እተደንፍዕ ድማ እያ። ብዛዕባ እርጋንን ምክንኻንን ውጽኢታዊት ዝዀነት መራኸቢት ህዝቢ። ንኣጠቓላሊ ክንክንን ጥብቅናን ቈራጽነት ብምርኣይ ነቲ ኸም ኣላዪት ኣዲኣ መጠን ዘለዋ ናይ ምሉእ ግዜ ግደ፣ ከምኡውን ብተወሳኺ ኣብ መደባትን ኣገልግሎታትን እርጋን ብንጥፈት ትሳተፍ እያ። ናይ ቀደም ፕረዚደንት ለሺ (Leschi) መበል 9ይ ናይ ማሕበረሰብ ቤት ምኽሪ፣ ምክትል ፕረዚደንት ሰንትራል ዲትሪክት፣ ኣባል ሲቲ ዋይድ ነይበርሁድ ካውንስልስ ብተወሳኺ ማሕበራዊ ንቕሓት፣ ማዕርነት፣ ሓባራዊነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝገበረቶ ልባዊ ተወፋይነት ተደሪኻ ነቲ ናይ መሪሕነት ክእለታ ኣብቲ ናይ ONYX ስነ-ጥበብ ሓባራዊ ቦርድ ከምኡውን ኣብ ክፍሊ መጐዓዝያ ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጉዓዝያ ኣበርክቶ ገይራ ኢያ።
ናይ ቀደም ኣባላት ጉጅለ ዕዮ ማዕርነት መጉዓዝያ (TEW)
- ብሪያን ቹ (Brian Chu)፣ ሜሪስ ፕለይስ (Mary's Place)
- ሪዝዋን ሪዝዊ (Rizwan Rizwi) (ተሓባባሪ ኣቦመንበር ኢመሪቱስ)፣ ኣገልግሎት መንበሪ ምስልምና
- ዮርዳኖስ ተፈሪ (Yordanos Teferi) (ተሓባባሪት ኣደመንበር ኢመሪቱስ)፣ ማእከል ብዙሕ ኣገልግሎት (MSC)
- ስቲቨን ሳውየር (Steven Sawyer) (ተሓባባሪ-ኣመሓዳሪ ኢመሪቱስ)፣ ጸዓዱ ዘይኮኑ ህዝቢ ኣንጻር መርበብ አይድስ (POCAAN)
- ኣን ሁንህ (An Huynh)፣ ኣብ ሲያትል ቻይና ታውን ኢንተርናሽናል ዲስትሪክት ዚርከብ በዓል መዚ ዕቃበን ዕቤትን (SCIDpda)
- ካሪያ ዎንግ (Karia Wong)፣ ማእከል ሓበሬታን ኣገልግሎትን ቻይናዊያን
- ኣሚር ኖይር ሱልኪን (Amir Noir Soulkin)፣ ኣገልግሎታት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EACS)
- ቢቢ ጆንስ (BB Jones)፣ ኒው ሆራይዞንስ
- ኢለና ጆንስ (Ellena Jones) (ተሓባባሪት-ኣመሓዳሪ ኢመሪቱስ)፣ ፓሸን ቱ ኣክሽን
- ሰይዛር ጋርስያ (Cesar Garcia)፣ ለይክ ሲቲ ኮለክቲቭ
- ዩ-ኣን ዩን (Yu-Ann Youn) (ተሓባባሪ-ኣመሓዳሪ ኢመሪቱስ)፣ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ሮቢንሰን ሰንተር
- ኤላኒ ከይስ (Ellany Kayce)፣ ኣገልግሎት ቀቢላ ዱዋሚሽ
- ካታሚ ቻው (Khatami Chau)፣ ፉድ ኢምፓወርመንት ኤዱከሽንን ሳስተይናቢሊቲ ቲም (FEEST)
- ኪያና ፓርከር (Kiana Parker)፣ ዩዳብ ሰንተር ፎር ኤክስፐሪመንታል ለርኒንግ ኤንድ ኦፐርቹኒቲ
- ክሪስቲና ፒርሰን (Kristina Pearson)፣ ኣገልግሎታት ቀቢላ ዱዋሚሽ
- ክሪስ ሮዶስ (Chris Rhode)፣ ረይነር ቫሊ ኮርፕስ
- ክሪስቲና ቶማስ (Christina Thomas)፣ ረይነር ቫሊ ግሪንወይስ
- ፊሊስ ፖርተር (Phyllis Porter)፣ ረይነር ቫሊ ግሪንወይስ
- ሚካህ ሉሲንያን (Micah Lusignan)፣ ዲስአቢሊቲ ራይትስ ዋሽንግተን
- ጁልያ ጃኖን-ሺልድስ (Julia Jannon-Shields)፣ ፑጀት ሳውንድ ሰጅ
- ሶኩንቲያ ኦክ (Sokunthea Ok)፣ ደፓርትመንት ኦፍ ነይበርሁድስ ኮሙኒቲ ላይዚኦን
- ኣናሊያ በርቶኒ (Analia Bertoni)፣ ደፓርትመንት ኦፍ ነይበርሁድስ ኮሙኒቲ ላይዚኦን